
Maria
Rønberg
Regionskonsulent, Nordjylland
ኣብ ድርሲ (DRC Dansk Flygtningehjælp) ን ስደታኛታትን ካብ ዴንማርክ ዉጻኢ ዝኮኑ ዉሑዳንን-ብመንገዲ ናትና ወለንታዊ መሓዉራት ሓገዝን ደገፊን ንህብ ኢና።
ኩሉ ስራሓትና ብወለንተኛታት ዝካየድ ኢዩ፣ስለዚ ድማ እዩ ፍልልያት ዝሎ እቲ ንህቦ ኣጽገልግሎት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ሓደ ከይከዉን።
ወለንተኛ ዝበሃል ሓደ ውልቀ ሰብ ንዓካ ዪኩን ንስድራቤትካ ንናይ ዴንማርክ ሂወትካ ዝድግፈካ እዩ። ወለንታኛ ሓጋዛይ ምስ መንግስቲ ኮነ ምምሕዳር ቶቆጺሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ንዓኩም ክሕግዘኩም ዉን ደሞዝ ዝክፈሎ ኣይኮነን።
ሐደ ወለንተኛ ንሓደ ሓዲሽ ናብ ዴንማር ዝመጸ ዪኩን ንንዉሕ ዝበለ ዓመታት ኣብ ዴንማርክ ዝተቀመጠ ክሕጉዙ ይክእሉ እዮም። እዞም ወለንተኛታት ዉን ናይ ምስጢርካ ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለዎም ከይ ተሰከፍካ ዉልቃዊ ጉዳያቲካ ምስኣቶም ክትዝቲ ትክእል ኢካ።
ምሳና ዝደጋገፉ ቡዙሓት ወለንተኛታት ኣብ ሙሉእ ዴንማርክ ኣሎዉና፣ ንዝተፈላለየ ዘድሉዪካ ሓገዛት ዝዱጉፉካ። ናብ መሳርሕትና ብምጽሓፍ ኮነ ብምድዋል እንታይ ዓይነት ደገፍ ኣብ ከባቢካ ክትረክብ ከምትክእል ክትፈልጥ ይከኣል እዩ።
እቲ ደገፋት ንኣብነት ሓገዝ ቃንቃ ዳኒሽ፣ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ንዓካ ይኩን ንደቅካ። ከም ተወሳኪ ድማ ኣገዳሲ ምክሪን ድገፍን ንስራሕ ምድላይ፣ ሲቪ ምጽሓፍ፣ትምህርቲ ከመይ ትሓትት፣ ምርዳእ ኢ-ቦክስ፣ ሚት-ኢዲ ምዉጻእን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተወሰክቲ ሓገዛት።
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንዓካ ዪኩን ምስ ስድራቤትካ ኮይንካ እትገብሮም ቡሉጻት ንጥፈታት ኣለዉ ንኣብነት ዑደት ናብ ኣገደስቲ ቦታትት፣ ብሓባር ምምጋብን ዝተፈላልዩ ጸወታትትን። ምስ ሓደ ወለንተኛ ድማ ንእግሪ መንገዲካ ብዘይ ቆጸራ ከትዘራረብ ይክኣል እዩ።
ንኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ንጥፈታት ንምፍላጥ፣ ነቲ ኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ወለንተኛታት ደዊልካ ምሕታት ይክኣል እዩ።
Maria
Rønberg
Regionskonsulent, Nordjylland
Cecilie
Broundal
Regionskonsulent, Midtjylland
Tatiana
Rusuberg
Regionskonsulent, Syddanmark
Kristine
Bjerre
Regionskonsulent, Sjælland og Bornholm
Sara Nora
Koust
Regionskonsulent, Hovedstaden
ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ቆጸራ ምስ ዝህልወካን ምሳካ ኮዪዱ ዝድግፈካ ምስ ትደሊ፣ ናትና ወለንተኛታት ከካዪዱካ ክድገፉካ ይክእሉ እዮም። እቶም መንገስታዊ ኣካላት ዝበልናዮም ከም ምምሕዳር (kommune); ናይ ስድሬቤት ገዛ (familieretshuset), ወጻእታናታት ክፍሊ (udlændingestyrelsen) ወይድማ ክፍሊ ጥዕና (sundhedsvæsnet)::
ወለንታዊ ደጋፊካ ምሳካ ቅድሚ ቆጸራ ክራከብን፣ ናብቲ ቆጸራ ቦታ ዉን ከካዪደካን ክድግፈካን እዩ። ተራ ናይቲ ወለንታዊ ተሓጋጋዚ ድማ ንዓካ ነቲ ኩነታትካ ብጉቡእ ክትርዳእ ኣብ ምሕጋዝን፣ ኣብቲ ርክብ ዝተባህላ ምስማዕን፣ ሕቶታት ኣብ ምሕታት ድማ ንክሕግዘካን እዩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ቆጸራ ርክብ ድማ እቲ ወለንተኛ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጥም ንምፍላጥ ክሕግዘካ እዩ። ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ
ኣብ ሙሉእ ሃገር በዚ ደውል /ጽሓፍ Bisidderkorps.
Bisidderkorps
·
ኣብዚ ናትና ናይ ወለንታዊ ሓገዛን ንህቦም ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ፣ ናይ ምዉህሃድ መደብ፣ ቁጠባ፣ ናይ ገዛ ጸገማት፣ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ስድራ-ቤት።
ካብ መንግስታዉ ኣካላት ዝመጽኣካ ንዘይተረድኣካ ደብዳቤታትን ዉሳኔታትን ኣብ ምርዳእን፣ ምክርን ንናይ ይግባይ ምባልን ጉዳዪካ ብከመይ ከም ዝርእይዎ ድማ መብርሂ ምሃብ እዩ።
ኩሉ ግዜ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ክትረክበና ይክኣል እዩ። ንሕና ዘይንምልሶ ምስ ዝከዉን ድማ ክሕጉዙካ ዝክእሉ ኣብ ምንዳይ ክንሕግዘካ ኢና።
Frivilligrådgivningen
København
Frivilligrådgivningen
Aarhus
Frivilligrådgivningen
Odense
Frivilligrådgivningen
Ringsted
Frivilligrådgivningen
Haderslev
Frivilligrådgivningen
Aalborg
Frivilligrådgivningen
Holstebro
ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ካዝና(Fritidspuljen)፣ ከም ወለዲ ክሳብ 1000 ኮረኖ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ንቆልዑ ካብ 0-17 ዝዕድሚኦም ንናይ ብማሕበርን ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ደገፍ ዝከዉን። እቲ ንጥፈታት ከኣ ንኣብነት ኩዑሶ እግሪ፣ ናይ ስካዉት፣ ስእሊ ቅብኣ፣ ምሕንባስን ሙዚቃ።
ነዚ ሓገዝ ንምርካብ ከኣ ሓደ ካብ ወለዲ ተመሃራይ ወይድማ ስራሕ ኣልቦ ኮዪኖም ናይ ተመይሮ ሓገዝ ዝቅበሉ (SU)፣ ናይ ነብስካ ምክኣልን-ናብ ዓድካ ምምላስ ሓገዝ (selvforsørgelses-og hjemrejseydelse), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ሓገዝ (dagpenge), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ገንዘባዊ ሓገዝን ቅድመ ጡረታን (kontanthjælp eller førtidspension). ከም ተወሳኪ ንበይኖም ብዘይ ኣሰነይቲ ከም ስደተኛ ኮይኖም ዝመጽኡ ቆሉዑ ድማ ንሕግዝ።
ዝኮነ ሕቶ ብዛዕባ ንናይ ትርፊግዜ ማዕከን ንምርካብ ኣብ Fritidspuljen.
Fritidspuljen
Telefontid: mandag 10-13 | onsdag 13-16
ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ኣብ ገዛካ ኮዪንካ ክትረክብ ይክኣል እዩ። ንደቅካ ተማይሮ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ይወሃብ እዩ።ንኣብ ኮሌጅ፣ ቃንቃ ትምርህቲ፣ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዉን ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ክትረክብ ይክኣል እዩ።
ኣባል ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ድሕሪ ምካንካ፣ ናይ ፌስቡክ መልእክቲ ብምጥቃዕ፣ እቲ ዘድሊየካ ሓገዝ ክትጽሕፈ ኣሎካ።
ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ዕዮ ገዛ ሓገዝ ምስ ትደሊ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት Michelle Toft.
Michelle Amanda Kallerup
Toft
Regionskonsulent, Midtjylland og projektkonsulent, DRC Online
ብከምዚ ኣገባብ ድማ ናብቲ ናትና ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ኣባል ክትከዉን
ኣባል ድሕሪ ምካንካ፣ ሓደ ወለንተኛ ንረክበልካ፣ ምሳካ ቃንቃ ዳኒሽ ንክትለማመድን ክሕግዘካን እዩ።
ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ቃንቃ ሓገዝ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት Michelle Toft.
Michelle Amanda Kallerup
Toft
Regionskonsulent, Midtjylland og projektkonsulent, DRC Online
መልእክቲ ጽሓፈልና እሞ፣ ብዝቀልጠፈ ክንምልሰልካን ክንረክበካን ኢና።