Spring til indholdet
Frivillig i Dansk Flygtningehjælp
Bliv frivillig
Oversigt på flere sprog

ሓገዝ ንዓካ፣ ንስደተኛ ወይድማ ካልእ ወጻእተኛ ኣብ ዴንምርክ | Tigrinya

ኣብ ድርሲ (DRC Dansk Flygtningehjælp) ን ስደታኛታትን ካብ ዴንማርክ ዉጻኢ ዝኮኑ ዉሑዳንን-ብመንገዲ ናትና ወለንታዊ መሓዉራት ሓገዝን ደገፊን ንህብ ኢና።

Det kan du få hjælp til

ነዚኦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓገዝ ክትረክብ ትክእል ኢካ

 

ኩሉ ስራሓትና ብወለንተኛታት ዝካየድ ኢዩ፣ስለዚ ድማ እዩ ፍልልያት ዝሎ እቲ ንህቦ ኣጽገልግሎት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ሓደ ከይከዉን።

እንታይ እዩ ወለንታኛ ዝበሃል

ወለንተኛ ዝበሃል ሓደ ውልቀ ሰብ ንዓካ ዪኩን ንስድራቤትካ ንናይ ዴንማርክ ሂወትካ ዝድግፈካ እዩ። ወለንታኛ ሓጋዛይ ምስ መንግስቲ ኮነ ምምሕዳር ቶቆጺሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ንዓኩም ክሕግዘኩም ዉን ደሞዝ ዝክፈሎ ኣይኮነን።

ሐደ ወለንተኛ ንሓደ ሓዲሽ ናብ ዴንማር ዝመጸ ዪኩን ንንዉሕ ዝበለ ዓመታት ኣብ ዴንማርክ ዝተቀመጠ ክሕጉዙ ይክእሉ እዮም። እዞም ወለንተኛታት ዉን ናይ ምስጢርካ ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለዎም ከይ ተሰከፍካ ዉልቃዊ ጉዳያቲካ ምስኣቶም ክትዝቲ ትክእል ኢካ።

Hvilken støtte er der tæt på dig?

እንታይ ዓይነት ደገፍ እዩ ኣብ ከበቢካ ዘሎ

ምሳና ዝደጋገፉ ቡዙሓት ወለንተኛታት ኣብ ሙሉእ ዴንማርክ ኣሎዉና፣ ንዝተፈላለየ ዘድሉዪካ ሓገዛት ዝዱጉፉካ። ናብ መሳርሕትና ብምጽሓፍ ኮነ ብምድዋል እንታይ ዓይነት ደገፍ ኣብ ከባቢካ ክትረክብ ከምትክእል ክትፈልጥ ይከኣል እዩ።

እቲ ደገፋት ንኣብነት ሓገዝ ቃንቃ ዳኒሽ፣ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ንዓካ ይኩን ንደቅካ። ከም ተወሳኪ ድማ ኣገዳሲ ምክሪን ድገፍን ንስራሕ ምድላይ፣ ሲቪ ምጽሓፍ፣ትምህርቲ ከመይ ትሓትት፣ ምርዳእ ኢ-ቦክስ፣ ሚት-ኢዲ ምዉጻእን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተወሰክቲ ሓገዛት።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንዓካ ዪኩን ምስ ስድራቤትካ ኮይንካ እትገብሮም ቡሉጻት ንጥፈታት ኣለዉ ንኣብነት ዑደት ናብ ኣገደስቲ ቦታትት፣ ብሓባር ምምጋብን ዝተፈላልዩ ጸወታትትን። ምስ ሓደ ወለንተኛ ድማ ንእግሪ መንገዲካ ብዘይ ቆጸራ ከትዘራረብ ይክኣል እዩ።

ንኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ንጥፈታት ንምፍላጥ፣ ነቲ ኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ወለንተኛታት ደዊልካ ምሕታት ይክኣል እዩ።

ንኣብ ከባቢካ ዝርከቡ መሳራሕትና ክትድዉሎሎምን ክትጽሕፈሎምን ምስ ትደሊ

Bisidder

ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝርርብ እንተድኣ ኣሎካ

ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ቆጸራ ምስ ዝህልወካን ምሳካ ኮዪዱ ዝድግፈካ ምስ ትደሊ፣ ናትና ወለንተኛታት ከካዪዱካ ክድገፉካ ይክእሉ እዮም። እቶም መንገስታዊ ኣካላት ዝበልናዮም ከም ምምሕዳር (kommune); ናይ ስድሬቤት ገዛ (familieretshuset), ወጻእታናታት ክፍሊ (udlændingestyrelsen) ወይድማ ክፍሊ ጥዕና (sundhedsvæsnet)::

ወለንታዊ ደጋፊካ ምሳካ ቅድሚ ቆጸራ ክራከብን፣ ናብቲ ቆጸራ ቦታ ዉን ከካዪደካን ክድግፈካን እዩ። ተራ ናይቲ ወለንታዊ ተሓጋጋዚ ድማ ንዓካ ነቲ ኩነታትካ ብጉቡእ ክትርዳእ ኣብ ምሕጋዝን፣ ኣብቲ ርክብ ዝተባህላ ምስማዕን፣ ሕቶታት ኣብ ምሕታት ድማ ንክሕግዘካን እዩ።

ድሕሪ እቲ ናይ ቆጸራ ርክብ ድማ እቲ ወለንተኛ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጥም ንምፍላጥ ክሕግዘካ እዩ። ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ 

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ደገፍቲ ጉጂለ ንምንባብ/

ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝርርብ እንተድኣ ኣሎካ ዘካዪዱካን ዝዱጉፉካ ንምርካብ

ኣብ ሙሉእ ሃገር በዚ ደውል /ጽሓፍ Bisidderkorps.

Frivilligrådgivningen

ምክርን ደገፍን ትደሊ ዶ?

ኣብዚ ናትና ናይ ወለንታዊ ሓገዛን ንህቦም ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ፣ ናይ ምዉህሃድ መደብ፣ ቁጠባ፣ ናይ ገዛ ጸገማት፣ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ስድራ-ቤት።

ካብ መንግስታዉ ኣካላት ዝመጽኣካ ንዘይተረድኣካ ደብዳቤታትን  ዉሳኔታትን ኣብ ምርዳእን፣ ምክርን ንናይ ይግባይ ምባልን ጉዳዪካ ብከመይ ከም ዝርእይዎ ድማ መብርሂ ምሃብ እዩ።

ኩሉ ግዜ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ክትረክበና ይክኣል እዩ። ንሕና ዘይንምልሶ ምስ ዝከዉን ድማ ክሕጉዙካ ዝክእሉ ኣብ ምንዳይ ክንሕግዘካ ኢና።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ወለንታዊ ምክሪ ንምንባብ/

ምክርን ሓበሬታን ኣብዚ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ክትረክብ ትክእል ኢካ

Fritidspuljen

ንናይ ደቅካ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ቁጠባዊ/ገንዘባዊ ደገፍ ምስትደሊ

ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ካዝና(Fritidspuljen)፣ ከም ወለዲ ክሳብ 1000 ኮረኖ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ንቆልዑ ካብ 0-17 ዝዕድሚኦም  ንናይ ብማሕበርን ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ደገፍ ዝከዉን። እቲ ንጥፈታት ከኣ ንኣብነት ኩዑሶ እግሪ፣ ናይ ስካዉት፣ ስእሊ ቅብኣ፣ ምሕንባስን ሙዚቃ።

ነዚ ሓገዝ ንምርካብ ከኣ ሓደ ካብ ወለዲ ተመሃራይ ወይድማ ስራሕ ኣልቦ ኮዪኖም ናይ ተመይሮ ሓገዝ ዝቅበሉ (SU)፣ ናይ ነብስካ ምክኣልን-ናብ ዓድካ ምምላስ ሓገዝ (selvforsørgelses-og hjemrejseydelse), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ሓገዝ (dagpenge), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ገንዘባዊ ሓገዝን ቅድመ ጡረታን (kontanthjælp eller førtidspension). ከም ተወሳኪ ንበይኖም ብዘይ ኣሰነይቲ ከም ስደተኛ ኮይኖም ዝመጽኡ ቆሉዑ ድማ ንሕግዝ።

ብከምዚ ኣገባብ ክኣ ንናይ ትርፊ ግዜካ ዝግበር ንጥፈታት ደገፍ ክትሓትት ትክእል

ናብ ናይ ትርፊ ግዜ ማዕከን ደገፍ ክትሓትት 

ዝኮነ ሕቶ ብዛዕባ ንናይ ትርፊግዜ ማዕከን ንምርካብ ኣብ Fritidspuljen.

Lektiehjælp online

ንዕዮ ገዛ ደገፍን ሓገዝን ኣብ ኦንላይን

ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ኣብ ገዛካ ኮዪንካ ክትረክብ ይክኣል እዩ። ንደቅካ ተማይሮ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ይወሃብ እዩ።ንኣብ ኮሌጅ፣ ቃንቃ ትምርህቲ፣ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዉን ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ክትረክብ ይክኣል እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ

ብከምዚ ኣገባብ ናይ ኦንላይን ዕዮ ገዛ ሓገዝ ክትረክብ ይክኣል እዩ

ኣባል ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ኣባል ንሙካን

ኣባል ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ድሕሪ ምካንካ፣ ናይ ፌስቡክ መልእክቲ ብምጥቃዕ፣ እቲ ዘድሊየካ ሓገዝ ክትጽሕፈ ኣሎካ።

ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ዕዮ ገዛ ሓገዝ ምስ ትደሊ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት Michelle Toft.

Dansk online

ቃንቃ ዳኒሽ ንክትለማመድ ብኦላይን ምስ ትደሊ?


ኣብ ናንይ ፌስቡክ ገጽ ወለንታዊ ናይ ቃንቃ ኣለማማዲ፣ ንቃንቃ ዳኒሽ ንክትመሓየሽ ክሕግዘካ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ንናይ ኦንላይን ናይ ቃንቃ ሓገዝ ንምርካብ  

 

ብከምዚ ኣገባብ ናይ ቃንቃ ልምምድ ክትገብር ይከኣል

ብከምዚ ኣገባብ ድማ ናብቲ ናትና ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ኣባል ክትከዉን

ኣባል ድሕሪ ምካንካ፣ ሓደ ወለንተኛ ንረክበልካ፣ ምሳካ ቃንቃ ዳኒሽ ንክትለማመድን ክሕግዘካን እዩ።

ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ቃንቃ ሓገዝ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት Michelle Toft.

Kontaktformular

ካልእ ዝኮነ ትደሊዮ ሓገዝ እንተድኣ ሃልዩ?

መልእክቲ ጽሓፈልና እሞ፣ ብዝቀልጠፈ ክንምልሰልካን ክንረክበካን ኢና።

Siden handler om ትግርኛ | Tigrinya